ለውጢ ከተምጹ ትኽእሉ ኢኹም

ከም ነባሪ ናይ ኣፓርታማ መጠን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ጎረቤትኩም ጽቡቕ ዘየሎ ኮይኑ ክስመዓኩም ይኽእል’ዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ብዛዕባ ጎነጽ ኣብ ሓዳር፡ ክቱር ድኽነት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ቆልዑ፡ ምጥቃም ዕጸ-ፋርስን ገበን ተፈጺሙ ከይከውን ብዛዕባ ዘለኩም ስክፍታታት ንመን ከም እትሕብሩ ዘይክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። እዞም ኩነታት እዚኦም ኣብ ድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ስለ ዘጋጥሙ፡ ብወገንና ከም ሰባት መጠን ተረዳእቲ ክንከውን የድልየና። ንኹሉ ነገር በይኑ ከዕርዮ ዝኽእል ሰብ ከምዘየሎን፡ ኩሉ ሰብ ግን ገለ ነገር ክገብር ከም ዝኽእልን ዘክሩ - ስክፍታኹም ከተርእዩ ኣይትፍርሁ።

ለውጢ ምምጻእ ማለት ኣብ ሓደ ባእሲ ብኣካል ምስታፍ ማለት ኣይኮነን። ሓልዮትን ርሕራሐን ምርኣይ ማለት ኢዩ። ኣብ ሓደ ማዕጾ ምኹሕኳሕ፡ ወይ ድማ ናይ ድሕነትን ድጋፍን ኣድላይነት ክህሉ እንከሎ ምስ ጎረባብትኻ ብሓባር ምስራሕ ማለት ኢዩ። ወይ ሓደ ህጹጽን ወይ ኣሰካፊን ኩነታት ምስ ዘጋጥም ናብ ፖሊስ ምድዋል የድልየኩም ይኸውን።

ሳላቦስታደር (Salabostäder) ስክፍታታት ክህልወኩም እንከሎ ናብ መን ከተብሉ ከም እትኽእሉን፡ ከም ሰብ መጠን ብኸመይ ለውጢ ከተምጹ ከምእትኽእሉን ንክትርድኡ ንክሕግዘኩም ነዚ ሓበሬታ እዚ ቀሪቡ ኣሎ። ገለ ጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል ኣድራሻታት ኣብዚ እንሃለ።

ምትእትታው ናትኩም ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።

ሕማቕ ኣተሓሕዛ ቆልዑ ከይህሉ ጠርጢርኩም፧

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ክፍሊ ቆልዑን መንእሰያትን ብዛዕባ ትሕቲ-ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ዘለኩም ስክፍታታት ንምሕባር።
0224 – 74 96 20

BRIS (መሰል ቆልዑ ኣብ ሕብረተሰብ) ናይ ቆልዑ መስመር ሓገዝ።
116 111

BRIS (መሰል ቆልዑ ኣብ ሕብረተሰብ) ብዛዕባ ሓደ ቆልዓ ስክፍታ ንዘለዎም ዓበይቲ።
077 – 150 50 50

Socialjouren (ህጹጽ ኣገልግሎት ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሰራሕተኛታት) ኣብ ህጹጽ እዋን ወይ ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኩሉ ግዜ ብመንገዲ ፖሊስ ክርከብ ይከኣል።
112 (for emergencies) or 114 14

ሕማም ኣእምሮ፡ ምጥቃም ዕጸ-ፋርስ ወይ ክቱር ድኽነት፡ ከይህሉ ጠርቲርኩም፧

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ክፍሊ ዓበይቲ ብዛዕባ ምጥቃም ዕጸ-ፋርስን ጎነጽን ዘለኩም ስክፍታታት ማዕዳ ንምርካብን ንምሕባርን።
0224 – 74 96 30

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ክፍሊ ሓገዝ ንማዕዳን ሕቶታትን ብዛዕባ ብዛዕባ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት።
0224 – 74 90 69

ናይ ዝምድና ጎነጽ ከያጋጥም ስግኣት ኣለኩም ድዩ፧

ፖሊስ112 (ህጹጽ ረድኤት) or 114 14

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ክፍሊ ዓበይቲ0224 – 74 96 30

ሳላ (Sala) መዕቆቢ ደቅንስትዮ
0224 – 182 89
072 – 568 19 93
sala@roks.se

ሶማያ (Somaya) – መዕቆቢ ኣዋልድን ደቅንስትዮን – ደገፍ ብብዙሕ ቋንቋታት።
020 – 81 82 83
kvinnojouren@somaya.se

ሃገራዊ መስመር-ሓገዝ ደቅንስትዮ ንምኽሪን ሓገዝን
020 – 50 50 50

ድጋፍ ግዳያት ስዊድን
116 006

“ምቁራጽ ምረጹ” (“Choose to stop”) – ሃገራዊ ምስጢራዊ መስመር ቴሌፎን፡ ንትፈትውዎም ሰባት ናይ ምጉዳእ ተኽእሎ እንተልዩኩም።
020 – 55 56 66

ግፍዒ እንስሳ

መስመር ሓገዝ ናይ ቦርድ ኣማሓዳሪ ካውንቲ (ንኡስ ዞባ)
010 – 224 96 00

Tycker du att innehållet är bra?

Ge oss feedback så att vi kan göra vår information bättre.